ኣብራሪ ሚግ ስቲፋኖስ ሃይለ - ምስ ኣሕዋቱ ተሰሊፉ ክብርቲ ሂወቱ ዝበጀወ ሰራሕ ቅያ!


ስቲፋኖስ ኣብ ጎዳይፍ - ኣስመራ ተወሊዱ ዓብዩ። ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና ልዑል ነጥቢ ስለዘምጸአ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መሰልጠኒ በረራ ነፋሪት ተጸንቢሩ ንምረቓ በቒዑ። ኣብራሪ ነፋሪት ሚግ ኮይኑ ድማ ዓመታት ሰርሐ።
ስቲፋኖስ ግና ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ ክድብድብ፡ ሰላማዊ ህዝቡ ክቐዝፍን ከተማታትን ዓድታትን ክድምስስን ድላይ ኣይነበሮን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ኩሉ ናይቲ እዋን መንእሰይ ብውሽጡ ሃገራዊ ስምዒት የቃጽሎ ነበረ። ኣሕሉቑ'ውን ከስተውዑሉሉ ጀሚሮም ነበሩ።

ኣብ ርእሲኡ ንስቲፋኖስ ምንኣሱ ሓዉ - ገብሪሂወት ሃይለ ኣብ ከተማ ብተጋደልቲ ተወዲቡ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ሓደ መዓልቲ ተታሒዙ ኣብ 1975 ተረሺኑ ተሰዊኡ ብምንባሩ ንስቲፋኖስ ካልእ ዝኸበደ ሃገራዊ ጾር ዘሰክም ኮኖ። እቶም ኣሕሉቑ ንስቲፋኖስ ሓዉ ኣብ ኣስመራ ከምዝተረሸነ ስለዝሰምዑ'ውን ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሮም እምነት ጎዲሉ ካብ ኣብራሪ ነፋሪት ሚግ ኣውሪዶም ኣብ ካልኦት ትሕት ዝበለ ኣገዳስነት ዝነበረን ነፈርቲ ቀየሩዎ።
ምንቅስቓሳቱ ብደቂቕ ምክትታል ምስ ቀጸሉን ንሂወቱ ኣስጋኢ እናኾነ ምምጽኡ ዝተገንዘበን ከምኡ'ውን መርሸንቲ ሓዉ ድቃስ ዝኸልኦን ስቲፋኖስ ሓደ እዋን ምኽንያት ፈጢሩ ናብ ኣስመራ መጽአ። ፓይሎት ዝኣክል ስርሑ ገዲፉ ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢሉ ሂወቱ ክመርሕ ከምዘይክእል ስለዝተረደአን ውሽጣዊ ሃገራዊ ስምዒቱ ስለዝረበጾን ከኣ ንወላዲቱ ወይዘሮ ቁድሳን ካሕሱ ናብ ዓዶም ዛግር ክወስዳኦ ተማሕጸነን።
ኣይጸንሐን ድማ ሕነ ሓዉን ኩሎም ንጹሃን ኤርትራውያንን ክፈዲ ብዛግር ኣቢሉ ኣብ 1977 ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰለፈ። ፓይሎት ስቲፋኖስ ኣብ ሳሕል ንኣዋርሕ ድሕሪ ምዕላሙ ኣብ ሓይልታት ተወዚዑ ተዋጋኢ ሰራዊት ኮነ።

ግዜ ምዝላቕ ብምንባሩ ኣሃዶኦም ብርጌድ 8 ኣብ ዓዲ ያቆብን ሃዘጋን ደማዊ ኲናት ድሕሪ ምክያዳ እናተዋግአት ክተዝልቕ ተገደደት። እቲ ንጽኑሕ ወተሃደራዊ ተሞክሮኡ ተጠቒሙ ቅያ ክሰርሕ ዝቐነየ ተጋዳላይ ፓይሎት ስቲፋኖስ ሃይለ ድማ ኣብ ከባቢ ዒላበርዕድ ብጅግንነት ተሰውአ።
ስድራቤት ስቲፋኖስን ገብረሂወትን ሰለስተ ውሉዳት እያ ፈርያ። እቶም ክልተ ንስለዛ ሃገር ብጅግንነት ክስዉኡ እንከለዉ፡ ርግኣት ዝስማ ሓንቲ ሓብቶም ከኣ ኣብ ኣስመራ ትቕመጥ።
ተራኺት - ሰምሃር ተወልደ (ፍራንክፈርት)